ጅቡቲ፣ ወደብ ታጁራን መቐለን ዘራኽብ ሓድሽ ጽርግያ ተመሪቑ

Radio Erena: 11 November 2019

ኣብ ጅቡቲ፣ ካብ ወደብ ታጁራ ናብ ከተማ መቐለ ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ተመሪቑ።

እቲ 112 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ፣ ኩዌት ብዝመወለቶ 156 ሚልዮን ዶላር ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ካብ ወደብ ታጁራ ተበጊሱ፣ ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ እትርከብ ቁሸት ባልሆ ዝዝርጋሕ’ያ።

ኣብ ዶብ ካብ እትርከብ ቁሸት ባልሆ ናብ መቐለ ዝዝርጋሕ ናይ ኣስታት 400 ኪሎሜተር ጽርግያ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣቐዲሙ ከምዝተዛዘመ ይጥቀስ።

እቲ ጽርግያ፣ ነታ ኣብ ጅቡቲ ብዕብየታ ካልኣይቲ ዝኾነት ወደብ ታጁራን ከተማ መቐለን ንምርኻብ ዝዓለመ ኮይኑ፣ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ዝተወጠነ’ዩ።

እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመረቐ ሓድሽ ናይ ቅጥርን ጽርግያ፣ ነቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ እንኮ መስመረ፣ ከም ካልኣይን ኣገዳስን ኣፍደገ ኮይኑ ከገልግልግል ትጽቢት ከምዘሎ ማዕከን ዜና ፈረንሳ ዠን ኣፍሪክ ኣቃሊሓ።

እቲ “ሸኽ ሰብሓ” ዝተሰምየ ጽርግያ፣ ብ6 ሕዳር ኣብ ዝተመረቐለ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣምባሳደር ኩዌትንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ተረኺቦም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘሎ እንኮ መስመር፣ ጅቡቲ- ድረዳዋ- ኣዲስ ኣበባ፣ መዓልታዊ ኣስታት 800 ናይ ጽዕነት መካይን ካብን ናብን ይመላለሳ።

ምስ ምኽፋት እዚ ሓድሽ መስመር፣ ታጁራ- መቐለ ድማ እቲ ብሓደ መስመር ዝጸንሐ ምጭንናቕ ብመጠኑ ክጎድል ትጽቢት ይግበር።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ካብ 500ኪሎ ምስራሕ ምስ ኤርትራ 5ደቂቅ ልቦም ምቅናዕ ምሓሽ