ደቡብ ሱዳን ምቋም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ተናዊሑ

Radio Erena: 11 November 2019

ደቡብ ሱዳን፣ ሰሉስ 12 ሕዳር ክቐውም ዝነበሮ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ፣ ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲትን መራሒ ተቓዋወምቲ ሬክ ማቻርን ተሰማሚዖም።

ክልቲኦም ወገናት፣ ምቋም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ብ100 መዓልታት ክናዋሕ ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑ፣ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሚሴቪኒ ብ6 ሕዳር ኣብ ካምፓላ ድሕሪ ዝገበርዎ ምይይጥ’ዩ።

ሬክ ማቻር፣ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኪር ዝተዓብለለ መንግስቲ እምነት ከምዘይብሉን ዘይተተግበሩ ሓያሎ ቅድመ ኩነታት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ ኣብቲ ንጽባሕ ሰሉስ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምቋም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ከምዘይሳተፍ ብመንገዲ ኣፈኝኡ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

ማቻር ከም ቅድመ ኩነት ዘቕረቦም ነጥብታት፣ ንጸጥታን ብዝሒ ዞባታት ወይ ግዝኣታትን ዝምልከትን’ዩ።

ፕረዚደንት ኪር ብኣንጻሩ፣ ኣብ ምቋም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ኩሎም ተቓወቲ ወገናት ክሳተፉ ምዃኖም ክጠቅስ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካምፓላ ድሕሪ ዝገበሮ ምይይጥ፣ ኣብ ምንውሑ ዝተሰማምዐ።

ምምሕዳር ትራም፣ ናይ ልንፍቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ክሳብ 12 ሕዳር ክቐውም እንተዘይክኢሉ፣ ኣብታ ሃገር እገዳ ከተግብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0