ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዘተ ኣካይደን

Radio Erena: 02 May 2017

QS defence

ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዳ ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

እቲ ዘተ ዝተኻየደ፣ ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ቀጠር ከተማ ኣዶሓ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፣ ብሰንበት 30 ሚያዝያ ናብ ከተማ ኣዶሓ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓምድ ኣልታኒን ካልኦት ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ተዘራሪቡ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓዋድ ኢብን ዖውፍ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ቀጠር ሓማድ ቢን ዓሊ ኣል ዓጢያ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ ወትሃደራዊ ርክብ ብዝሰፍሐ መልክዑ ዝቕጽለሉ ተኽእሎታት ከምዝዘተዩ ወትሃደራውያን ምንጭታት ጠቒሶም።

ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ምስ ሰበ ስልጣን ቀጠር ዝዘራረብ ዘሎ፣ ስቴት ሚኒስተር ሱዳን ጀነራል ጣሃ ዑስማን ዓሊ ሓሰን ካብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝተላእከ ደብዳቤ ብሮቡዕ 26 ሚያዝያ ንኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ።

ሱዳንን ቀጠርን ኣብ መንጎአን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክህሉ ኣብ ሕዳር 2014 ከምዝኸተማ ይዝከር።

እንተኾነ ዛጊት ብወግዒ ዝተሓበረ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ እዘን ክልተ ሃገራት ኣይነበረን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0