ስዑዲ ዓረብ፣ መሰል ደቂሰብ ከተኽብር መራሒት ጀርመን ጸዊዓ

Radio Erena: 02 May 2017

Angela

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸመት ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ መርከል፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሰል ደቂሰብ ከተኽብር ከምዝጸውዐት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

መራሒት ጀርመን ምስ ንጉስ ሳልማን ኣብ ከተማ ጅዳ ድሕሪ ምርኻባ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ኣብ ስዑዲ ዘሎ ዘተሓሳስብ ኩነታት መሰል ደቂሰብ ብፍላይ ከኣ መሰል ደቂንስትዮ ብምልዓል ከምዝተዘራረበት ኣረጋጊጻ።

ከም መብዛሕትአን ናብታ ሃገር ዑደት ዘካይዳ ደቂንስትዮ፣ ርእሳ ብጉልባብ ዘይሸፈነት ቻንስለር ኣንግላ መርከል፣ ደቂንስትዮ ክሽፈና ዘገድድ ሕጊ ሓደ ካብቲ መሰል ደቂንስትዮ ዝግህስ ምዃኑ ብምጥቃስ ብትሪ ከምእትቃወሞ ኣፍሊጣ።

መሰል ደቂንስትዮ ብምግሃስ ግኑን ስም ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ ኮሚሽን መሰል ደቂንስትዮ ሕቡራት ሃገራት ክትመርሕ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምምራጻ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞ ከምዝገጠማ ኣይርሳዕን።

ኣንግላ መርከል፣ ኣብቲ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደታ ብተወሳኺ ብዛዕባ’ቲ እታ ሃገር ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እትኽተሎ ዘላ ናይ ሞት መቕጻዕቲን ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገርን ብምልዓል’ውን ተዘራሪባ።

“ኩነታት የመን ብኵናት ኣይፍታሕን’ዩ፣” ዝበለት ኣንግላ መርከል፣ ኣብ ሃገር ኣንጸላልዩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዋሕዚ ስደተኛታትን’ውን መፍትሒ ክርከበሉ ምስ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዘትያ።

ብዘይካ’ዚ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ዝብል እርእስቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝፈረደቶ ብኢንተርነት ሓሳቡ ዝጽሕፍ ዝነበረ ስዑዳዊ ብሎገር ራይፍ ባዳዊ ብምልዓል ከምዝተዘራረበት’ውን ጠቒሳ።

ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ ማርከል፣ ብዛዕባቲ ብጉጅለ 20 ዝፍለጣ ሃብታማት ሃገራት ንኻልኦት ክገብርኦ ዝኽእላ ምትሕግጋዝ ንምዝርራብ’ያ ብሰንበት30 ሚያዝያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትያ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0