ግብጽን ኡጋንዳን ብዛዕባ ናይል ይዘራረባ

Radio Erena: 02 May 2017

Egypt Uganda

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ፣ ብዛዕባ’ቲ ገና ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይል ንምዝርራብ ናብ ኡጋንዳ ኣምሪሑ።

እቲ ሚኒስተር፣ ብሰኑይ 1 ግንቦት ናብ ከተማ ካምፓላ ድሕሪ ምእታዉ፣ ካብ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ደብዳብ ኣብጺሑ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኡጋንዳ ብምብጻም ምስ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቪኒ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ከምዝዘተየ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር ግብጺ፣ ምስተን ወሓይዘን ናብ ፈለግ ናይል ዝፈስስ ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክትበጽሕ ኣይከኣለትን።

ወሓይዘን ናብ ፈለግ ኒል ዝፈስስን ኒል ዘዋስነንን 10 ሃገራት፣ ርዋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ታንዛንያ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳንን ግብጽን ክኾና እንከለዋ፣ ሽዱሽተ ካብዚኣተን ብሩንዲ፣ ኬንያ፣ ርዋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ሓባራዊ መርገጺ ብምሓዝ፣ ብ ‘ተበግሶ ኤንተበ’ ዝፍለጥ ስምምዕ ዝኸተማ’የን።

ሱዳን’ውን ነዚ ናይ ኤንተበ ተበግሶ እኳ እንተዘይከተመትሉ፣ ምስ ግብጺ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ግና፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ንመርገጺ ግብጺ ክትድግፍ ከምዘይትኽእል ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ኣብዚ ናይ ካምፓላ ዑደቱ፣ ብዛዕባ’ቲ ኡጋንዳ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ዝኸተማሉ ተበግሶን ውሕስነትን ናይል ክዝቲ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ርዋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዘካየደ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0