‘ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ይንቀሳቐስ ኣሎ።’ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረረስ

Radio Erena: 02 January 2023

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ይንቀሳቐስ ምህላዉ፣ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረረስ (ኦፌኮ) ናብ መንግስቲ ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ 50 ዝኾና ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ኢትዮጵያ ኣብ ህሉው ኩነታት ኣመልኪተን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኣብ ዘካየድኦ ዘተ’ዩ እቲ ጥርዓን ቀሪቡ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ኦፌኮ፣ ሙላቱ ገመቹ፣ ናብቲ ነቲ ዘተ ዘካይድ ዝነበረ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰን ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉምዝን ኦሮሚያን እናተንቀሳቐሰ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ’ዩ ስቕታ መሪጹ’ ኢሉ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ‘ብህወሓት ኣብ ዝተጠለምናሉ ሕማቕ ግዜ፣ ኤርትራ ዝርድኣትና ሃገር’ያ’ ድሕሪ ምባል፣ ብፍላይ ኣብዚ ሳልሳይ ዙርያ ውግኡ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬታ ተበጊሱ ንኸጥቅዕ ምፍቃዳን ሳልኡ ዝተረኽበ ዓወታትን ዘርዚሩ።

‘ኣብቲ ግዜ’ቲ ህወሓት ናይ ክልቴና ጸላኢ ኔሩ። ድሕሪ’ዚ ስምምዕ ህወሓት ዕጥቑ ምስ ፈትሐ ስግኣት ኣይከውንን’ዩ። ብፖለቲካ ንዝህሉ ምስሕሓብ ግና ብዘይ ሳልሳይ ኣካል ማዕጾና ዓጺና ክንዘራረብ ኢና’ ክብል’ውን ተሰሚዑ።

‘ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ትውጻእ ትብሉ ሰባት፣ ስለምንታይ ሱዳን 50 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኢትዮጵያ ወሪራ ኣትያ እንከላ፣ ሱዳን ትውጻእ ዘይበልኩም’ ክብል’ውን ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ‘ኤርትራ ኣሸጊራትና ክሳብ ዘይበልና ንምንታይ ኣተሓሳሲቡኩም’ ክብል ተመሊሱ ንተዛተይቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ድሕሪ ምሕታት፣ ‘ኣሸጊራትና እንተደኣኢልና ሓሲብና፣ ባዕልና ኣብ ዝወሰንናሉ፣ በቃ ውጹእልና ክንብል ኢና’ ኢሉ።

‘ስለዚ፣ መጀመርያ ህወሓት ዕጥቁ ይፍታሕ ‘ሞ፣ ከምዘይዋጋእ ነረጋግጽ፣ ብድሕሪኡ መን’ዩ ብዘይገድስ ውጽኡ ካብ ሃገርና ክንብሎም ንኽእል’ ዝበለ እቲ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ‘ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ዘተሓሳስበኩም እንተኾይኑ፣ ሱዳን ካብ መሬት ኢትዮጵያ ትውጽእ ኢልኩም መግለጺ ኣውጽኡ’ ዝብል መደምደምታ ሂቡ።

ኣምባሳደር ሬድዋን፣ ብዛዕባ ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፣ ብቀጥታ ናይ ምኽሓድ ይኹን ናይ እወታ ምላሽ ኣይሃበን።

ኣብቲ ንብዙሓት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኢትዮጵያ ከምዘየሐጎሰ ዝተገልጸ ዘተ፣ ጉዳይ እቶም ካብ ኤርትራ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተመልሱ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብዝምልከት’ውን ሕቶታት ቀሪቡ’ዩ።

ኣብቲ ዘተ ብተወሳኺ፣ ጉዳይ’ቲ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣሰሓሒቡ ዝርከብ ዞባ ወልቃይትን መንግስቲ ብምስጡር ዝገብሮም ዘሎ ስምምዓትን ኣብ ዝብል’ውን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቶን ርይእቶን ተዋሂቡሉ።

ስእሊ፦ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰን ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0