ደቡብ ሱዳን፣ ተጎሃሂሩ ናብ ዘሎ ግጭት ኮንጎ 750 ወትሃደራት ልኢኻ

Radio Erena: 02 January 2023

ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ንዝንቀሳቐሱ፣ ብመጋቢት 23 ወይ March 23 (M23) ዝፍለጡ ዕጡቓት ንምጥቃዕ፣ ብሰራዊት ኮንጎ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ብሩንዲን ንዝቖመ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ ዝጽንበሩ ኣስታት 750 ወትሃደራት ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

እቶም ወትሃደራት ናብ ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምጽንባር፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፣ ብ28 ታሕሳስ ናብታ ሃገር ከምዝገዓዙ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ኣፈኛ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፣ ሜጀር ጀነራል ሉል ሩዋይ ኩዋንግ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ እኹል ዕጥቂ ዘለዎ ኣሃዱ ናብ ኮንጎ ከዋፍር ምዃኑ ጠቒሱ።

ደቡብ ሱዳን ሰራዊታ ናብ ኮንጎ ትልእኽ ዘላ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ቅድሚ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኤርትራ ምብጋሱ፣ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ጁባ ብምርኻብ ምስተዛተየ’ዩ።

ንባዕላ ኣብ ግጭትን ኣብ ናይ ኣጽዋር እገዳን እትርከብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣሰር ኬንያ፣ ኡጋንዳን ብሩንዲን ስዒባ ናብ ኮንጎ ሰራዊት ክትልእኽ ምውሳና፣ ኣብ ዓበይቲ ቀላያት ዞባዊ ግጭት ከይጎሃሃር ተሰጊኡ ኣሎ።

ኬንያ፣ ኣስታት 900 ወትሃደራት፣ ኡጋንዳ ድማ ኣስታት 1000 ኣባላት ዝሓቖፈ ሰራዊት፣ ድሮ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣዋፊረን ይርከባ።

ኡጋንዳ፣ ምስ ዞባ ኪቩ ናይ ኮንጎ ዑሙር ንግዳዊ ልውውጥ እተካይደሉ፣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብ ኣውራ መንገድታት ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቶም ዕጡቓት ብምውዳቑ፣ ንቑጠባኣ ዝፈታተን ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ምዃኑ ብምጥቃስ’ያ ሰራዊታ ናብቲ ዞባ ክትልእኽ ወሲና።

ኬንያን ደቡብ ሱዳንን’ውን ብመንገዲ ኡጋንዳ ነቲ ናይ ንግዲ መስመር ክጥቀማሉ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኡጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምንቅስቓስ መጋቢት 23ኣትዩ ዘሎ፣ ኣብ ከባቢ ካኑንጉ ዝርከብ ዶብ ኢሻሻ ንምኽፋት’የን ዝተወሃሃደ መጥቃዕታት ከካይዳ ትጽቢት ዝግበር።

‘ሰውራዊ ሰራዊት ኮንጎ’ ብዝብል ካልኣይ ስም ዝፍለጥ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ23 መጋቢት 2009 ዝተኸተመ፣ ዘይተዓወተ ስምምዕ ሰላም ኮንጎ’ዩ ብ M23 ወይ መጋቢት 23 እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ።

እቲ ጉጅለ ካብ 2012 ክሳብ 2013 ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕታት፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ንዘለዎ ዞባ ጎማ ተቖጻጺሩ ምንባሩ ይዝከር።

ብመንግስቲ ርዋንዳ ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ዕጡቕ ጉጅለ M23፣ ድሕሪ’ቲ ብሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ዝተገብረሉ ጸቕጢ፣ ምቁራጽ ቶዅሲ ኣዊጁ፣ ምስ መንግስቲ ኮንጎ ስምምዕ ሰላም ክገብር ከምዝደሊ ብምግላጽ ወትሃደራዊ ንጥፈታቱ ኣዛሕቲሉ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ገለ ክፋል እቲ ጉጅለ፣ ኣብ 2017፣ ዳግማይ ኣብ ዞባ ጎማ ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳት ጀሚሩ።

ካብ ዓመት ናብ ዓመት መጥቃዕታቱ እናዕበየ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ሓሊፉ፣ ንዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናብ ግጭት ክሸምም ናብ ዝኽእል ደረጃ ዓብዩ ይርከብ።

ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ብሩንዲን ደቡብ ሱዳንን ሰራዊተን ናብ ኮንጎ ምውፋረን፣ ደጋፊት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ምዃና ንዝንገረላ ርዋንዳ ስግኣት ኣሕዲሩላ ከምዘሎ ይትንተን።

እቲ እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎን ምትእትታው ጎረባብቲ ሃገራት ዝበዝሖን ግጭት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ርግኣት ንዝጸንሐ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናብ ሓድሽ ጎንጺ ከይሸሞ ይስጋእ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0