ሰራዊት ኤርትራ፣ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከምዝተዋፈረ ኦነግ ወቒሱ

Radio Erena: 08 April 2021

ሰራዊት ኤርትራ፣ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተዋፊሩ ኣሎ ክብል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ብ5 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢታት ቦሮና፣ ጉጂ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ ምብራቕ ወለጋ፣ ቀለም ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ከምዝኣተወ ኣመልኪቱ።

ካብ 30 መጋቢት ኣትሒዙ፣ ሰራዊት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ቀለመ ወለጋ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ መጥቃዕቲ ብምክያድ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሞትን ካልእ ጉድኣትን ከምዘብጽሑ’ውን ኦነግ ወቒሱ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞ ዕንወትን ካልእ ገበናትን፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ክደግሞ ኣይንፈቅድን ዝበለ ኦነግ፣ ውሕስነት ህዝቢ እቲ ክልል ምሕላው ዘድሊ ስጉምታት ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ናብቲ ድሮ ተኣፋፊ ኮይኑ ዘሎ ክልል ኦሮምያ ተዋፊሩ ኣሎ ንዝበሎ ሰራዊት ኤርትራ ኣቓልቦ ክገብረሉ ድማ ተላብዩ።

ኦነግ፣ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ክልል ኦሮምያ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ’ዩ ዝንገረሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ናይቲ ኣብቲ ክልል ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ ንተወላዶ ኣምሓራ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት ተሓታቲ እቲ ብኦነግ-ሸነ ዝፍለጥ ሓይሊ ምዃኑ’ዩ ዝወቅስ።

ኦነግ ድማ ብኣንጻሩ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ባዕሉ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ምዃኑ ይጠቅስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0