ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ኣብ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ዓፈርን ሶማልን ብዝተኻየደ ጎንጺ 10ታት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 08 April 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት እታ ሃገር ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ዓፈርን ሶማልን ብዝተኻየደ ጎንጺ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ክልላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብረቡዕ 07 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ፍሉይ ሓይሊ ዓፈር፣ ብ03 መጋቢት፣ ደዓዋዲን ቀረፋን ኣብ ዝተባህለ ምምሕዳራት ንዝርከቡ ብውሕዱ 25 ሶማላውያን ጓሶት ከምዝቐተለን ልዕሊ 30 ድማ ከምዘቑሰለን ወቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ ፍሉይ ሓይሊ፣ ብ07 ሚያዝያ’ውን ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ብምፍጻም ተወሰኽቲ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ ክብል እቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፣ ብፍሉይ ሓይሊ ዓፈር ዝድገፉ፣ ብ ‘ኡጉጉማ’ ዝፍለጡ ዕጡቓት’ውን ከምዝተሳተፉ ዝጠቐሰ መግለጺ መንግስቲ ክልል ሶማል፣ ሕነ ንምፍዳይ ዓጸፌታ ክምልስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ዝንህር ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ብዝበኣሰ ክነቱግ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ስግኣቶም ይገልጹ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0