ኣብ ትግራይ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ኣካላት ክሕተቱ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ

Radio Erena: 08 April 2021

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከብቅዕን፣ ዝተፈጸመ ገበናት ድማ ምጽራይ ክግበረሉን፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ፔካ ሃቪስቶ ጸዊዑ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምኡ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምትሕግጋዝን ፊንላንድn ዝኾነ፣ ፔካ ሃቪስቶ፣ ብ07 ሚያዝያ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ጎነጽ ከምዘተሓሳሰቦ ጠቕሱ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብል፣ ዝተፈጸመ ገበናት ምጽራይ ክግበረሉን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ድማ ተሓተቲ ክኾኑ ከምዘለዎም ምጽውዑ ድማ እቲ ምስ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፣ ወ/ሮ ሳህለወርቕ ዘውዴ ዝተራኸበ ልኡኽ ኣፍሊጡ።

እቲ ልኡኽ፣ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምምርሑ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምብጻሕ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝምልከት ዘትዩ’ዩ።

ፔካ ሃቪስቶ፣ ኵናት ትግራይ ካብ ዝጅመር፣ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ንሱ ኣብቲ ካብ ቀዳማይ ዑደቱ ተመሊሱ፣ ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሰራዊት ኤርትራ፤ ሚሊሻታት ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ገበናት ኵናት ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምጥቃስ፣ ብናጻ ኣካል ክጻረ ኣብ ዝብል ነጥቢ’ዩ ኣስሚርሉ።

መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመግለጺ ፔካ ሃቪስቶ ድሕሪ ምስማዕ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዝተቓወሙዎ ኣይርሳዕን።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0