‘ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ዝነበሩ ኣስታት 500 ተመዛበልቲ ኣሲሮም።’ ሮይተርስ

Radio Erena: 25 May 2021

ሰራዊት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ፣ ብሰንኪ ኵናት ካብ መነባብርኦም ዝተመዘበሉ ኣስታት 500 ተወላዶ ትግራይ ከምዝኣሰሩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብቲ እቶም ተመዛበልቲ ተዓቝቦምሉ ዝነበሩ ከባቢ ብሓይሊ ድሕሪ ምእንታዉ፣ ነቶም ዝኣሰርዎ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ፣ እናጋፍዑ ናብ ዓበይቲ መካይን ከምዝጸዓንዎም ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ከተማ ሽረ፣ ቴድሮስ ኣረጋይ ብወገኑ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሉ እኳ እንተሓበረ፣ ኣማኢት ተወላዶ ትግራይ ከምዝተወስዱ ግና ኣረጋጊጹ።

ኣስታት 400 ካብቶም ዝተኣስሩ ትግራዎት፣ ኣብ መባእታ ቤት ጸሃይ፣ ተዓቝቦም ዝነበሩ ምዃኖም፣ ካብቲ ኩነታት ዘምለጠ መንእሰይ ገሊጹ።

እቶም ተወላዶ ትግራይ፣ ካብቲ ተዓቝቦምሉ ዝነበሩ ግዝያዊ መጽለሊታት፣ ብሰኑይ 24 ግንቦት፣ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስዱ ዘመልከቱ ስድራቤታቶም፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትእኽኻብ ጥርዓኖም ኣቕሪቦም።

ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቐሉ 10ታት ኣሽሓት ስድራቤታት፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ኣብ ዝተደኮነ ግዝያዊ መዕቖቢታት ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0