ፕረዚደንታት ኣመሪካን ግብጽን ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ፍልስጤምን ተመያይጦም

Radio Erena: 25 May 2021

ፕረዚደንታት ኣመሪካን ግብጽን ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይተኻእለ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣጠቓቕማ ናይልን ተመያይጦም።

እቶም መራሕቲ፣ ብ24 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ዝዓርፈሉ መንገዲው’ን ዘትዮም።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ንግብጺ ስግኣት ምዃኑ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብቲ ዝርርብ ክገልጽ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ፣ ጠለባት ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዘማልእ ኣገባብ ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍታሕ ድሌት ኣመሪካ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ዛጊት ልዕሊ 250 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ግጭት እስራኤል ፍልስጤምን ሰለማዊ መፍትሒ ንምርካብ፣ ፕረዚደንት ባይደን፣ ንጸሓፉ ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክልእኾ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዑደቱ ምስ መራሕቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ከምኡ ድማ ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ዘለዎም መራሕቲ ካልኦት ሃገራትን  ክዝቲ ምዃኑ ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዘካየዶ ዝርርብ ጠቒሱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0