ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’፣ ኣብ ብሪጣንያ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 26 May 2021

ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ካብ ትርፍራፍ ዕንጸይታ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’ ኣብ ብሪጣንያ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ፣ ንሰብኣውነት፣ ሕብረተሰብን ድጋፍ ንሓተቲ ዑቕባን መልእኽቲ ዝሓዘ መስቀል፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ዝጀመሮ ዑደት ብምቕጻል፣ ብ22ን 23 ግንቦት፣ ኣብ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ህዝቢ ክዕዘቦ ክኢሉ።

እቲ መስቀል፣ ኣካል ናይቲ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ዝዓቐቦ፣ ኣብ ታሪኽ ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ ዝተፈጸመ ዘስካሕክ መቕዘፍቲ’ዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ኣስታት 430 ሓተቲ ዑቕባ ዝጸዓነት ጃልባ፣ ካብ ሊብያ ተበጊሳ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ድሕሪ ምቕራባ፣ ኣብ ውሽጣ ድሕሪ ዝተፈጠረ ባርዕ፣ ሰኣን ቅልጡፍ ሓገዝ፣ ህጻናት፣ ቆልዑን ነፍሰጾር ኣዴታትን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን ጥሒሎም ከምዝሞቱ ይዝከር።

ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈላለየ ዝኽሪ ክገብራሉ እንከለዋ፣ ዝተረፈ ኣካላት ናይታ ጃልባ ድማ ኣብ ኢጣልያ፣ ከም ቅርሲ ኣብ ቤተ መዘክር ክተሓዝ’ዩ ተወሲኑ።

ካብ ትርፍራፍ ዕንጸይቲ ናይታ ጀልባ ዝተሰርሐ ‘ላምፔዱሳ’ ዝተሰምየ መስቀል፣ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ይርከብ።

ብኣንጻር እዚ ኣማኢት ዜጋታቱ ኣብ ብዘሕዝን መንገዲ ዝሃለቕዎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጅስ ይትረፍ፣ በቲ ሓደጋ ከሽካዕልል’ዩ ተሰሚዑ።

ዝበዝሐ ሬሳታት ናይቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝሞቱ ኤርትራውያን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ጋህስታት፣ ሲቺልያ ተደፊኑ፣ ግቡእ ቀብሪ ኣይረኸበን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0