“ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንጹሃት ዜጋታት ቀቲሉ” ንዝብል ጸብጻብ ኣምነስቲ፣ መንግስቲ ነጺግዎ

Radio Erena: 31 May 2020

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ 10ታት ሰለማውያን ዜጋታት ምቕታሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንዘቕረቦ ጸብጻብ መንግስቲ ነጺግዎ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ ታሕሳስ 2018 ክሳብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝነበረ 12 ኣዋርሕ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት እታ ሃገር፣ 39 ስለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ኣቃሊዑ።

እቲ ዓመት’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ተሸላሚ ናይ ሰላም ኖቤል ዝኾነሉ እዋን ምስ ምዃኑ፣ ኮሚተ ስልማት ኖቤል ህዉኽ ውሳኔ ከምዝሃበ’ዩ ዝዝረብ ኔሩ።

መብዛሕቱ እቲ ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ክልል ኦሮሞ’ዩ። ምስ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም ሰባት ከምዝረሸኖም እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቲ ጸብጻብ፣ ናይ ሓደ ወገን ጸጥታዊ ገምገም ጥራይ ዝሓቖፈን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ኣስፊሑ ዘየገናዘበን’ዩ ክብል ነጺግዎ።

ብኣንጻሩ፣ ተቓወምቲ ወገናት፣ እቲ በቲ ትካል ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ሒደት ከባቢታት እታ ሃገር ጥራይ ዘተኮረ ምዃኑ ብምምልካት፣ ዝተፈጸመ ቅትለትን ግፍዕታትን ካብዚ ኣዝዩ ከምዝዛይድ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት፣ ምስ ናይ ብሄር ግጭታት ተተሓሒዙ ኣሽሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ቁሸታቶም ዝተቓጸሎም ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ዓድታቶም ሓዲጎም ከምዝተሰዱ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ምስ ፖለቲካን ናዕብን ብዝተሓሓዝ ከምዝተኣስሩ ይጥቀስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0