ሶማል፣ ሸውዓተ ሓካይም ግብረ ሰናይ ተቐቲሎም

Radio Erena: 01 June 2020

ኣብ ሶማል፣ ከባቢ ሞቛድሾ ኣብ እትርከብ ቁሸት፣ ሸውዓተ ሓካይም ግብረ ሰናይ ተቐቲሎም።

እቶም ኣባላት ዘቤታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ዘምዘም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ዘይብሉ ቁሸታት እናተዘዋወሩ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይህቡ ምንባሮም ጸብጻብ መንግስቲ ይሕብር።

ንሳቶም፣ 30 ኪሎሜተር ካብ ከተማ ሞቛድሾ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ቁሸት ጎላለይ፣ ብ28 ግንቦት ሞይቶም’ዮም ተረኪቦም።

ካብ ዝቕተሉ ሰዓተት ከምዝገበረ ዘመልክት ሬሳኦም፣ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝተቐትሉ’ዩ ዘነጽር።

ኣብ ጥቓኦም፣ ሓደ ወናኒ ድኳን’ውን ተቐቲሉ ሬስኡ ተረኺቡ’ዩ።

ንቅትለት እዞም ሸሞንተ ሰባት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

እቲ ከባቢ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ንምህዳን ዝንቀሳቐሰሉ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0