ኢትዮጵያ፣ ዶባት፣ ሉኡላውነትን ናጽነትን ጎረቤታ ሃገር ከተኽብር ሱዳን ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 31 May 2020

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ከባቢ ሩባ ኣጥባራ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዝምልከት፣ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ከምዘዘራረቦ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን- ሱና ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተሪ፣ ነቲ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛ፣ ብ30 ግንቦት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝጸውዓሉ እዋን፣ ሰራዊት ሃገሩ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲን ብሰንኩ ዝሰዓበ ሞትን መቑሰልትን ሓደ ወትሃደራዊ መኮነን ዝርከቦም ዜጋታት ሱዳንን ብትሪ ኮኒኑ።

ኢትዮጵያ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕታት ክትቁጠብን፣ ሉኣላውነት፣ ዶባትን ናጽነትን ጎረቤታ ሃገር ከተኽብርን ኣጠንቂቑ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብ ጉዳያት ዶባትን፣ ጸጥታን ናይልን ብዝምልከት ርክብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስታት፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ካርቱም ንምትእንጋድ ንምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ግዜ’ዩ ተኻይዱ።

ሱዳን፣ ብሰራዊት ዝተደገፉ ሚሊሻ ኢትዮጵያ፣ ብ28 ግንቢት፣ ኣብ ከባቢ ኣጥባራ ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ናይ ካፕቴን ማዕረግ ዘለዎ ወትሃደራዊ መኮነን ከምዝተቐትለን ሽዱሽተ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ኸሲሱ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ሳልስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ፍጻሜ፣ ድልዱል ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ዘይውክልን ሃንደበት ዘጋጠመን ፍጻሜ ምዃኑ ብምጥቃስ ዝተሰምዖ ጓሂ ገሊጹ።
============

COMMENTS

WORDPRESS: 0