ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ምትኳስ ደው ከብል ሕቡራት ሃገራት ጽዊዑ

Radio Erena: 25 February 2022

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጠያይት ምትኳስ ደው ከብል፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

ፍሉይ ልኡኽ’ቲ ውድብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት፤ ኣብ ከተማ ኻርቱም ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዑደት ድሕሪ ምክያድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝህቦ ዘሎ ጎነጻዊ ምላሽ ደው ከብል፤ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብረት ምትኳስ ከቋርጽ ጸዊዑ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣዳማ ዲየንግ ኣብ ዑደቱ፤ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን፤ ዲፕሎማሰኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ዝገበሮ ርክብ ዛዚሙ፤ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ እዚ ብሰራዊት ሱዳን ተፈጺሙ ዘሎ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፤ ብናጻ ኣካል ክጻረይ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያዱ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝጅምር ጥራይ ልዕሊ 82 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፤ ካልኦት 2 ሽሕ ዝኾኑ ከኣ ከምዝቖሰሉ፤ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብዘይካ’ዚ፤ ህዝቢ ኣለዓዒልኩም ተባሂሎም ከካብ ዝተረኽቡሉ ናይ ዝቕየዱ ዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት፤ ዲፕሎማሰኛታትን ፖለቲከኛታትን ቁጽሪ መዓልታዊ ይውስኽ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት፤ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፤ ናይ ልዕሊ 100 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ጉዳይ ምርኣዩ፤ ኩሎም ከኣ ጠበቓ ናይ ምርኣይ መሰል ከምዝተሓረሙን ኣመልኪቱ።

ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ንዝሓዘ ጉጅለ ንምቅዋም፤ ህዝቢ ሱዳን ዝጀመሮ ናዕቢ፤ ገና ይቕጽል እዩ ዘሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0