ርዋንዳን ኡጋንዳን፣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ይርከባ

ርዋንዳን ኡጋንዳን፣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ይርከባ

Radio Erena: 22 March 2019

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ምስ ኡጋንዳ ዘዋስን ገለ ክፋል ዶብ ድሕሪ ምዕጻው፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምስሕሓብ ኣለዋ።

ርዋንዳ፣ ነቲ ምስ ኡጋንዳ ዘዋስና ገለ ክፋል ዶባ ዝዓጸወትሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ፓል ካጋመ፣ ኣብ መሬቱ የሰልጥን ኣሎ ብዝብል ክሲ’ዩ።

እቲ ብርዋንዳ ዝቀረበ ክሲ፣ “ጸለመ’ዩ።” ዝብለ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳ ዶብ ምዕጻው፣ ኣብ ልዕሊ ኡጋንዳ ናይ ቁጠባ ኵናት ምኽፋት’ዩ ክብል ኮኒኑ።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ኣብ ካልእ ሃገር ምስ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ርዋንዳ ከምዝተዘራረበ ብወግዒ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ምስ መራሕቲ ታንዛንያ፣ ኬንያን ኣንጎላን ርክባት ዘካየደ ፕረዚድነት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፣ ብዛዕባ’ዚ ምስ ጎረቤቱ ኡጋንዳ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልክተ ከምዝተመያየጠ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የመልክቱ።

ኡጋንዳን ርዋንዳን ድሕሪ’ቲ ናይ 1994 ዓሌታዊ ህልቂት ሁቱን ቱትሲን፣ ንተቓወምቲ ብምድጋፍ ሓድሕደን ክወቓወሳ እዚ ንፈለማ እዋነን ኣይኮነን።

እዚ ሕጂ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሃብ ናብ ዝበኣሰ ከይዓርግ፣ ብዲፕሎማስያዊ ዘተ ክፈትሕዎ ማሕበረሰብ ዓለም ንክልቲኦም መራሕቲ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ፣

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0