ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ 3 ሽሕ ሄክታር ዝባደመ መሬት ንምልማዕ ይውስና

ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ 3 ሽሕ ሄክታር ዝባደመ መሬት ንምልማዕ ይውስና

Radio Erena: 21 March 2019

ኤርትራ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ 3 ሽሕ ሄክታር ዝባደመ መሬት ከልምዓ ምዃነን ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም (FAO) ኣፍሊጡ።

ክኢላታት ሕርሻን ምልማዕ መሬትን ምስ ወከልቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሱዳንን ኣብ መጀመርያ ዕለታት ናይዚ ወርሒ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብርሰት ኣግራብ ንምውጋድን ዝባደመ መሬት ንምልማዕን ከምዝወሰኑ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ካርቱም ኣኼባ፣ ኤርትራ፣ ሓደ ሽሕ ሄክታር ንምልማዕ መደብ ከምዘለዋ ክትሕብር እንከላ፣ 300 ሄክታር ካብዚ ኣብ ማይ ምነ፣ ሓጋዝን ላዕላይ ጋሽን ምዃኑ መግለጺ FAO የነጽር።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ ዝርከባ ኤርትራ፣ ሱዳንን ሞሪታንያን፣ ብሽርክነት FAOን ምወላ ቱርኪን፣ ኣብዚ ዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት፣ 5 ሽሕ ሄክታር መሬት ንምልማዕ መደብ ኣሎ።

ኤርትራ እትርከቦ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ፣ ኣብ ርእስ’ቲ ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ነቕጺ፣ ብሰንኪ ምብራስ ኣግራብ፣ ኣከባብያዊ ለውጢን ትሑት ቆላሕታ ንሓምላይ ልምዓትን፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት፣ ዝባድም መሬት እናሰፍሐ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

እዚ ድማ ከቢድ ሓደጋ ደርቅን ካልእ ናይ ኣከባቢ ሳዕቤናትን ከኸትል ከምዝኽእል ክኢላታት የጠንቕቑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0