ኬንያ፣ 20 ሚልዮን ትምዩን ዶላር ተታሒዙ

ኬንያ፣ 20 ሚልዮን ትምዩን ዶላር ተታሒዙ

Radio Erena: 22 March 2019

ኣብ ኬንያ፣ ኣስታት 20 ሚልዮን ትምዩን ዶላር ተታሒዙ።

ምስቲ ናይ ሓሶት ዶላር ብዝተሓሓት ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ፖሊስ ከተማ ናይሮቢ ኣፍሊጡ።

ነፍሲ ወከፍ ናይ 100 ዶላር ፣ ብድምር ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ናይ ወረቀት ናይ ሓሶት ገንዘብ፣ ኣብ ካዝና ናይቲ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ባንክ ባርከለይ፣ ተዓሽጉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ብምክትታል ፖሊስ ተታሒዙ።

እንተኾነ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ባንክ ባርክለይ፣ እቲ ናይ ሓሶት ገንዘብ፣ ኣብ ትሕቲኡ ከምዘይጸንሐ ገሊጹ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0