ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ የመን ንምስጋር ዝሓለኑ106 ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ቀይዱ

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ የመን ንምስጋር ዝሓለኑ106 ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ቀይዱ

Radio Erena: 16 March 2016

106EthioinPUN

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ 106 ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ከምዝቐየደ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፑንትላንድ ኣድሚራል ዓብደረዛቕ ድሪየ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ የመን ንምስጋር ኣብ ክሊ ማያት ዞባ ባሪ ዝተታሕዙ 86 ደቂንስትዮ ዝርከብአም 106 ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

 

ኣብ ምስግጋር’ቶም ስደተኛታት ዝተሓባበሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለውይ ዝሓበረ እቲ ኣዛዚ፣ እታ ርእሰ ምምሕዳር ብክሊ ማያ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ምሉእ ብምሉእ ንምግታእ ትጽዕር ምህላዋ ሓቢሩ።

ዓመታዊ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም 10ታት ስደተኛታት ብመንገዲ ገማግም ባሕሪ ሶማል፣ ርእሰ ምምሕዳራት ፑንትላንድ ኣቢሎም ናብ የመን ከምዝኣተዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ሰራዊት የመን ቀይሕ ባሕሪ ኣቛሪጾም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ 53 ዜጋታት ኢትዮጵያ ከምዝሓዘ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0