ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብሰንኪ ምፍራስ ኣባይቲ ሕጂ’ውን ተወሳኺ ወጥሪ ይርአ ኣሎ

ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብሰንኪ ምፍራስ ኣባይቲ ሕጂ’ውን ተወሳኺ ወጥሪ ይርአ ኣሎ

Radio Erena: 16 March 2016

Adi keyh town

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ናብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ዘእቱን ዘውጽእን መንገድታት ኬላታት ብሙቛም፣ ምንቕስቓስ ህዝቢ ደሪቶም ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ተዋፊሮም ዘለው ሰራዊት ኣብ ጎደናታት ናይታ ከተማ እናተዘዋወሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጸቕጢን ምፍርራሕን ክገብሩ ከምዝሓለኑ’ውን ኣረዲኦም።

ብ5 መጋቢት ኣብታ ከተማ ዝጀመረ ምፍራስ ኣባይቲ፣ ብሰንኪ ተቓውሞ ህዝቢ ደው ክብል እኳ እንተተገደደ፣ ን11 መጋቢት’ውን ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ክቕጽል ተመዲቡ ምንባሩ’ዩ ተረጋጊጹ።

 

ምምሕዳር እታ ከተማ፣ ኣብቲ ዝወርድ ዕንወት ተሓታቲ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፣ ኩሉ’ቲ ክዓኑ ቀይሕ ምልክት ዝተገብረሉ ኣብይቲ ወነንቲ ዚንጎ፣ ሞራለን ካልእ ንብረትን ክእክቡ ምልክታ ምዝርግሑ ብሬድዮ ኤረና ተሓቢሩ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስ፣ ቤት መኻእ፣ ጸጸራት፣ ኣርባዕተ ኣስመራን ካልእ ከባቢታት ዞባ ማእከል ዘተግበሮ ምፍራስ ኣባይቲ፣ ኣብ ዓዲ ቀይሕ’ውን ይቕጽሎ እኳ እንተሎ ካብ ህዝቢ ተሪር ተቓውሞ ስለዝገጠሞ፣ ነቲ ናይ ምፍሳር መዓልታት ክቐያይሮን ብኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ዝተሰነየ ጽኑዕ ምድላዋት ክገብርን’ዩ ተገዲዱ።

እቲ ን11 መጋቢት ከቕጽሎ ዝወጠነ ምፍራስ ኣባይቲ’ውን፣ ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ዘሎ ወጥሪ ዝሰፈኖ ኩነታት ንዘይተፈልጠ መዓልታት ክሰጋገር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ዋናታቱ ዚንጎን ሞራለን ብምቕንጣጥ ንዝገደፍዎ ሒደት መንበሪ ኣባይቲ ከምዘዕነወ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ንኽፈርስ ቀይሕ ምልክት ዝተገብረሉ ዝበዝሐ ኣባይቲ ግና ዋናታቱ ዝመጸ ክመጽእ ብምባል ካብ ቤት ስለዘይወጹ፣ መንግስቲ ሕጂ’ውን ብጎነጽ ሓይልን ቅድሚ ምውጽኦም ባዕላቶም ንብረቶም ኣኪቦም ክወጹ’ዩ ተደጋጋሚ ጻውዒታት ዘካይድ ዘሎ።

ኣባይቲ ንምፍራስ ዝተዳለዋ ብውሕዱ ክልተ ዶዞራ ኣብ ከባቢት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ዓዲ ቀይሕ ተዳልየን ከምዘለዋን፣ ኣብ ቀጽሪ እቲ ምምሕዳር ድማ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ምህላዉን’ውን ካብታ ከተማ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ሰራዊት ግዝያዊ መዓስከር ብምቛም ነኩነታት’ታ ከተማ ይከታተል ምህላው’ዩ ዘመልክት ዝበጽሓና ሓበሬታ።
=======================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0