ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ኣመሪካን ብሓባር ኣብ ዘካየድኦ ስርሒት፣ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ተታሒዙ

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ኣመሪካን ብሓባር ኣብ ዘካየድኦ ስርሒት፣ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ተታሒዙ

Radio Erena: 27 July 2017

somal

ሓይልታት ጸጥታ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ብኣመሪካውያን ኣማኸርቲ ተሓጊዞም ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት፣ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ከምዝሓዙ ተሓቢሩ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ምዃኑ ዝተነግረሉ ዓብደረዛቕ ሒሰን ጣሕሊል፣ ናብ ሰኑይ 24 ሓምለ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ጋልካዮ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ከምዝተታሕዘ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብ 2013 ተኣሲሩ ንሞት ተፈሪዱ ዝነበረ ጣሕሊል ኣብ 2014 ብምሕረት ድሕሪ ምልቃቑ ኣብ ኣመሪካ ክነብር ከምዝጸንሐ ጸብጻብ ሲኤንኤን ይጠቅስ።

 

ይኹን’ምበር ናይ ኣመሪካ ዜግነት ከምዘይብሉ’ውን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የመልክት።

ኣመሪካ ካብ 2013 ኣትሒዛ፣ ኣብ ሶማል ኣስታት 100 ወትሃደራውያን ኣማኻርቲን ክኢላታት ወትሃደራዊ ስለያን ብምውፋር፣ ወትሃደራት ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካይድዎ መጥቃዕታት ትተሓጋገዝ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0