ሩዋንዳ፣ ፕረዚደንት ካጋመ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ደጊሙ ተዓዊቱ

ሩዋንዳ፣ ፕረዚደንት ካጋመ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ደጊሙ ተዓዊቱ

Radio Erena: 08 August 2017

kagame

ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ደጊሙ ከምዝዕወት ብኣግኡ ክዝረበሉ እኳ እንተጸንሐ፣ ብልዕሊ 98 ሚእታዊት ክዕወት’ዩ ዝብል ትጽቢት ግና ከምዘይነበረ ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ይጠቕሱ።

መራሒ ዕጡቓት ተቓዋሚ ጉጅለ ዝነበረ ፖል ካጋመ፣ ድሕሪ ዓሌታዊ ህልቂት ርዋንዳ ኣብ 1994 ከም ምክትል ፕረዚደንትን ሚኒስተር ምክልኻልን ኮይኑ ክሳብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን’ውን ነታ ሃገር ብዘይወግዓዊ መንገዲ ይመርሓ ምንባሩ ይፍለጥ።

ካብ 2000 ዓመተ ምሕረት ንደሓር ግና እቲ ምሉእ ስልጣን ፕረዚደንትነት ብምጭባጥ፣ ክሳብ 2034 ዓመተ ምሕረት እናተመርጸ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዘኽእሎ ሓድሽ ቅዋም ነዲፉ።

ወዲ 59 ዓመት ፕረዚደንት ፖል ካጋመ፣ ንሩዋንዳ ካብ ዝነበረቶ ዓሌታዊ ምትፍናን ቁጠባዊ ድሕረትን ብተዛማዲ ናብ ዝሓሸ ርግኣትን ምዕባለን ከምዘሰጋገራ’ዩ ዝዝረበሉ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0