ሩስያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ወደብ መኽዘናት ክትሃንጽ’ያ

ሩስያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ወደብ መኽዘናት ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 02 September 2018

eri and russia fmሩስያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ወደብ መኽዘናት ክትሃንጽ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝርርብ ከምዘላ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ገሊጹ።

ንሱ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብዕለት 31 ነሓሰ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንቦታን ግዜን ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃበ፣ መቐጸልታ ናይቲ ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ትምስርቶ ዘላ ሓድሽ ዝምድናታት ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ መግለጺኡ ምህናጽ’ቲ መኽዘናት፣ ሩስያ ምስ ኤርትራ ክትምስርቶ ንእትደሊ ናይ ንግዲ ዝምድናታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጽላታት ሕርሻን ምህርቲ ዕደናን፣ ንምድልዳል ክሕግዝ’ዩ ከምዝበለ፣ ማዕከናት ዜና ካብ ሞስኮ ኣብ ዝመሓላለፍኦ ሓበሬታ ገሊጸን።

ሩስያ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ምስ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓብሊክን ግብጽን ኣብ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝተመርኮሰ ስምምዓት ፈሪማ’ያ።

ሩስያ ኣብ ትሕቲ መዲተራንያን ዝርከባ ሃገራት እተቃልበሉ ዘላ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ፕረዚደንት ሶርያ ብቐረባ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ እዩ ክብሉ’ዮም ወተሃደራውያን ተንተንቲ ዝገልጹ።

እዚ ኣብ ወደባት ዓሰብ ወይ ባጽዕ ክህነጽ ዝሕሰብ ዘሎ ሓድሽ መኽዘናት፣ ኣብ ምሕዳስ ትሕተ ቅርጺ ወደባት፣ መስመራት መጎዓዝያን ካልእ ህንጻታትን ዝግደሱ ሩስያውያን ኣውፈርቲ ክጽምበሩዎ ዓቢ ዕድል ከምዝኸፍት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0