ሞዛምቢክ፣ 64 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኮንተይነር ሞይቶም ተረኺቦም

Radio Erena: 24 March 2020

ኣብ ሞዛምቢክ፣ 64 ኢትዮጵያን ኣብ ኮንተይነር ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።

ንሳቶም፣ ኣብ ኮንተይነር ተዓሺጎም፣ ብናይ ጽዕነት መኪና ካብ ማላዊ ድሕሪ ምስጋሮም፣ ሎሚ ሰሉስ 24 መጋቢት፣ ተተ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሞዛሞቢክ ኣብ ዝተኻየደ ተፍትሽ’ዮም ሞይቶም ተረኺቦም።

ብህወይት ዝደሓኑ 14 ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ዞባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም ቀዳማይ ረዲኤት ይግበረሎም ኣሎ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ዝሓለኑ ስደተኛታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ተገሚቱ።

ጠንቂ ሞቶም’ውን ዋሕዲ ኣየር ዝፈጠሮ ምዕፋን ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጠር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0