ሞቛድሾ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ንዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ዝጠሓሱ ክልተ ሰባት ብፖሊስ ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 April 2020

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ንዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ዝጠሓሱ ክልተ ሰባት፣ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቐቲሎም።

እቲ ነቲ ቅትለት፣ ብ25 ሚያዝያ ዝፈጸመ ኣባል ፖሊስ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ዝመብጽእ ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ፣ ካብ ሰዓታት ናይ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ዝጸንሐ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ ይርከብ።

ሶማል፣ ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ ኣስታት 390 ሰባት መዝጊባ ኣላ። ምስቲ ሕማም ብዝተሓሕእዝ ድማ ክልተ ሰባት ሞይቶም።

ሓያሎ ሃገራት፣ ተመሳሳሊ ኣዋጃት ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓለን፣ መነባብሮ ዝጸገሞ ህዝቢ፣ ክጥሕሶ ስለዝተራእየ፣ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ክሳብ መቕተልቲ ዝበጽሕ ስጉምታት ክወስዱ ይርኣዩ ምህላዎም፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት በብወገኖም የመልክቱ።
==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0