ሞሮኮ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ከተውፍር’ያ

Radio Erena: 21 November 2016

MO eth

ሞሮኮ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 2.4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ንምክያድ ስምምዕ ከምዝኸተመት፣ ማዕከናት ዜና ካብ ራባት ሓቢረን።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ሻድሻይ፣ ብዓርቢ 18 ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ካብ 2017 ክሳብ 2022፣ ኣብ ስራሕ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ግዙፍ ወፍሪ፣ ኣብ ምፍራይ ኢንዱስትርያዊ ድዅዒ ዘተኮረ’ዩ።

ሞሮኮ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ድሬዳዋ ድዅዒ እትፍርየሉ ሰፊኽ ፋብሪካ ብምድኳን፣ ፍርያታ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምብጻሕ’ያ ትዕልም።

 ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣማኢት ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ኣብ ሕርሻ ዕንባባን ካልእን ውፍርታት የካይዳ እኳ እንተለዋ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝተላዕለ ናዕቢን ተቓውሞን፣ 10ታት ሚልዮናት ኤውሮ ዝግመት ካብዚ ወፍርታት ከምዝዓነወ ዝዝከር’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0