ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ን19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ናጻ ለቒቑ

Radio Erena: 18 November 2016

POW

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ካብ ግንቦት 2008 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ናጻ ከምዝለቐቐ፣ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ናይቲ ትካል ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም፣ ብዛዕባ ኩነታት እቶም ምሩዅት ንምፍላጥ ናብ ጅቡቲ ብውሕዱ ክልተ ግዜ ብምምልላስ፣ እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኻሕዱ 19 ምሩዃት ኵናት ምሕረት ክግበረሎም ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ርክባት ከንምዘካየደት ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ነቶም ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ 267 ኣባላት ሰራዊት ነበር ናብ ቀይሕ መስቀልን ትካል ስደተኛታትን ከረክቦም እንከሎ፣ ነቶም 19 ምሩዃት ኵናት ግና፣ ሃለዋት ናይቶም ብኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ ምሩኳት ኵናት ጅቡቲ ክሳብ ዝፍለጥ ከምዘይለቆም’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

መንግስቲ ኤርትራ ብድፍኢት ቀጠር፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ኣብዚ ዓመት’ዚ ክለቖም እንከሎ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ጅቡቲ ተማሪኾም ዝርከቡ ዜጋታቱ ግና ዝኾነ ሕቶ ከምዘየቕረበ፣ ተቖጻጻሪት ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ብምጥቃስ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ ኣላ።

ካብ ወገን ጅቡቲ 20 ከምዝተማረኹን፣ ሓደ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዊ ክመውት እንከሎ፣ እቶም ክልተ ግና ብኣግኡ ሃዲሞም ናብ ዓዶምም ከምዝተመልሱ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ተቖጻጻሪት ጉጅለ፣ እቶም ኣርባዕተብመንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምልቃቖም ናይቶም 13 ሃለዋት ግና ዛጊት ከምዘይፍለጥ’ዩ ዘመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዞም ኣብ ዶባ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣ ኣብቲ ኣብ ግንቦት 2008 ምስ ጅቡቲ ዝተኻየደ ኵናት ዝተማረኹ 19 ኤርትራውያን ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ክሒድዎም ይርከብ።

ሓደ ካብ ምሩዃት ኵናት ኤርትራ’ውን፣ ብዝነበሮ ከቢድ መውጋእቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጅቡቲ ከምዝሞተ ዝዝከር’ዩ።

እዞም፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ ብዝገበረሎም ምሕረት ካብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ናጻ ተለቒቖም ዘለዉ 19 ምሩዃት ኵናት፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምጥያሶም ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን ተዓቝቦም ከምዘለዉ ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም  ንሬድዮ ኤረና ብቴሌፎን ኣብ ዝሃበቶ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣረጋጊጻ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0