ምንቅስቓስ ደምህት ኣብ ኣስመራ፣ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥር

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብንጹር ኣብ ዘይፍለጠሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ብምሉእ ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ዝቖመ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ትግራይ ማለት ደምህት ዘካይዶ ዘሎ ምንቕስቓስ፣ ንህዝቢ ከተማ ኣስመራን ሓይሎ ከባቢታት ዓድን ሻቕሎት ይፈጥረሉ ምህላዉ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

    ኣቦ መንበር ደምህት ሞላ ኣስገዶምን ምክትሉን ዝርከብዎም ሓለፍቲ እቲ ውድብ፣ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ምስ ዝርከቦም ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣባልት ስለያን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ባረንቱ ምስጢራዊ ኣኼባ ከምዘካየዱ ብሬድዮ ኤረና ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፣ ዕላማ እቲ ኣኼባ ድማ ደምህት ዳግመ ስርርዕን ሓድሽ ውዳበን ንምክያድ ምንባሩ ተገሊጹ’ዩ።

    ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ ግዝያዊ መዓስከር ኣቑሙ ዘሎ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ማለት ደምህት፣ ኣብ ከባቢ ባጽዕ’ውን ቤት ጽሕፈት ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ሓይልታቱ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ከምእተራዩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ዕለት 21 ንደሓር ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም ኣለዉ።

    ዕላማ ኣሃዱታት ደምህት ናብ ከባቢ ኣስመራ ዝተንቐሳቐስሉ ኣውራ ምኽንያት እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ህዝቢ ኣንጻር እቲ ብደለይቲ ለውጢ ክልዓል ዝክእል ተቓውሞ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ንምስላፍ’ዩ ዝብል ግምታት ይወሃቦ ኣሎ።

    ደምህት ኣብ ቲራቮሎን ከባቢ ጸጸራት ድሕሪ ሆስፒታል ኦሮታ ኣብ ዘሎ ሓድሽ ህንጻን ክልተ ግዝያዊ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ብመካይን ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ይርኣዩ ምህላዎም’ውን ኣገንዚቦም።

    ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ትግራይ ኣብ 200 ዓመት ምህረት ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝቖመሉ፣ መስራትን ኣቦ መንበርን ደምህት ዝነበረን ኣቐዲሙ’ውን ኣባል ስለያ ህወሓት ነበረን ፍስሃ ሃይለማርያም ኣብ 2002 ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ ብሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ምስጢሩ ዛጊት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ድሕሪ ምቕታሉ፣ ብሞላ ኣስገዶም ተተኪኡ ምህላው ዝፍለጥ’ዩ።

    መንግስቲ ኤርትራ፣ ንተቓወምቲ ኦሮሞን ኦጋዴንን’ውን ከምዝድግፍ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን ዝልዓለ እምነት የሕዲርሉ ዘሎ ደሚህት ኮይኑ፣ ነዚ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣንጻር መራሕቲ ህወሓት ዝዓጠቐ ውድብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንሎጂስቲክ ዕጥቕን ስንቕን 10ታት ሚልዮናት ዶላራት የፍስሰሉ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኣብ ገለ ኣህዱታት ናይዚ ውድብ’ውን ናይ ኤርትራ ሓይልታት ተጸንቢረንኦ ከምዘለዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ካብ ኤርትራ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0