ምብራቕ ሱዳን፣ ብሰንኪ ስግኣት ምስፍሕፋሕ ሕማም ውጽኣት፣ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ተዓጽዩ ክጸንሕ ጻውዒት ይቐርብ

Radio Erena: 01 February 2017

Eastern sudan Cholera

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ብሰንኪ ስግኣት ምስፍሕፋሕ ሕማም ውጽኣት፣ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንዝተወሰነ እዋን ክዕዞ ጻውዒት ይቐርብ።

እቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ፣ ኮሌራ- ወይ ሸሮኽ ከይከውን ዝተሰግአ ሕማም ውጽኣት፣ ኣብዛ ወርሒ ጥራይ ብውሕዱ 12 ሰባት ክቐትል እንከሎ፣ 500 ሰባት ከኣ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ንማሕበር ሓካይም ሱዳን ብምጥቃስ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

እቲ ሕማም ናብ ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ኣጋጣሚታትን ከየስፋሕፍሕ፣ መንግስቲ ዕቱብ ምቁጽጻር ክሳብ ዝገብረሉ፣ ከም ኣብያት ትምህርቲ ዝኣመሰለ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ተዓጽዩ ክጸንሕ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይምሕጸኑ።

ሰበ ስልጣን ሱዳን፣ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ካርቱም ዝርከባ ኣብያተ መሸጣ መግብን መስተን ን10 መዓልታት ክዕጸዋ ወሲኑ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ተጣበቕቲ፣ እቲ ውሳኔ ናብቲ ኣውራ ተጠቒዑ ዘሎ ዞባ ምብራቕ ሱዳን’ውን ከተኩር ይሓቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ ኣብቲ ንኤርትራን ሱዳንን ዘዳውብ ከባቢታት ሕማም ውጽኣት ኣብ ዝተራእየሉ፣ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ንምግታእ፣ ብዶባት ዝካየድ ሕጋዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ደው ኢሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0