“ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግልት ምህዳም፣ ንኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ከውህቦም ኣይክእልን’ዩ፣” ቤት ፍርዲ እስራኤል

Radio Erena: 01 February 2017

As Isra

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ንዝሃደሙ ኤርትራውያን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከውህቦም ዘኽእል ብቑዕ ምኽንያት ከምዘይኮነ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝርከብ ቤት ፍርዲ፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል፣ ካብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘሕትት ምኽንያት የብሉን ብዝብል ናብቲ ቤት ፍርዲ ንዘቕረቦ መርትዖ ከምዘለዎ ብምቕባል ውሳኔ ምሕላፉ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያንን ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ቁጠዐኦም ይገልጹ።

ኣብ እስራኤል፣ ክፉት ቤት ማእሰርቲ እናተባህለ ኣብ ዝግለጽ ኾሎት ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ንምቅዋምን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ ንጉዳይ ኤርትራውያን ብዕቱብ ስለ ዘይተገንዘቦ፡ ኣብ ብይኑ ንመንግስቲ እስራኤል ዝሕግዝ ውሳኔታት ከሕልፍ ብምጽንሑን ብሓሙስ 26 ጥሪ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ምክያዶም ይዝከር።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 35 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ እኳ እንተለዉ፣ መንግስቲ እስራኤል ዛጊት ከም ሓተቲ ዑቕባን ሕጋውያን ስደተኛታትን ኣይተቀበሎምን።

ስለዚ ድማ ናይ ማእሰርትን ካልእን ንኩነታቶም ዘጋድድን ውሳኔታት እናሕለፈ፣ ካብታ ሃገር ንኽወጺ ዘገድድ ዝተፈላለየ ሜላታት ይጥቐም ምህላዉ ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0