ኣብ ማእከል ስደተኛታት ዝጸንሐ ኤርትራዊ መንእሰይ ‘ርእሰ ቅትለት’ ከምዝፈጸመ ፖሊስ ኢጣልያ ሓቢሩ

Radio Erena: 31 January 2017

Italy Cente

ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ስደተኛታት ኢጣልያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተጠቕሰ መንእሰይ፣ ካብ ህንጻ ጸዲፉ ከምዝሞተ ላ ስታምፓ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ሙሴ ሓድጉ ዝተባህለ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፣ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣቱ ሓሙሽተ ዓመታት እኳ እንተገበረ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ናይ ዑቕባ መሰሉ ክሕልወሉ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ከምዝጸንሐ ይጠቅስ።

እቲ መንእሰይ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዞባ ባሪ ናይ ኢጣልያ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ለውጢ እንተረኸበ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ቸክ ሪፖብሊክ ብፖሊስ ተታሒዙ እንደገና ናብ ኢጣልያ ከምዝተመልሰ ጸብጻብ ፖሊስ ኢጣልያ ይሕብር።

ካብ ቸክ ሪፖብሊክ ድሕሪ ምምላሱ፣ ኣብ ከተማ ሚላን ዑቕባ እኳ እንተሓተተ፣ ጉዳዩ መፍትሒ ከይረኸበ’ዩ ጸኒሑ።

ብሰንኪ ዝሓለፎ ከቢድ ናይ ስደት ጉዕዞ፣ ብጭንቀት ክሳቐ ኣብ ዝጀመረሉ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ‘ኒጓርዳ’ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ ሚላን፣ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምኽርን ሕክምና ስነ ኣእምሮን ክእለ ጸኒሑ።

ብሰንበት 29 ጥሪ ድማ ካብቲ ተዓቝብሉ ዝነበረ ግዝያዊ ማእከል ስደተኛታት ‘ኣልዲኒ’ ጸዲፉ ከምዝሞተ ጸብጻብ ፖሊስ የመልክት።

ፖሊስ ኢጣልያ፣ እቲ መንእሰይ፣ ካብ ተዓቝብሉ ዝነበረ ህንጻ ጸዲፉ ምማቱ፣ ርእሰ ቅትለት’ዩ ፈጺሙ ዝብል መደምደምታ ሂብሉ።

ብሰንኪ ዝሓለፍዎ መሪር ናይ ስደት ጉዕዞን፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝጸንሖም ህይወትን ጭንቀት ዝፈጠረሎም፣ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኢጣልያን ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳን ብተደጋጋሚ ርእሰ ቅትለት ክፍጽሙ ይርኣዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0