ምብራቕ ሱዳን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ደንግዩ ብዝብል ኣድማ ተኻይዱ

Radio Erena: 23 September 2021

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ምንቅስቓስ ህዝቢ ቤጃ፣ መሰጋጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ጁባ ንዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምትግባር ምድንጓያት ኣርእዩ ብዝብል፣ ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣሰናኺሉ።

ብቤት ምኽሪ ናዚሪ ቤጃ ዝፍለጥ ኣካል እቲ ምንቅስቓስ፣ ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ኣድማ ጻውዒት፣ ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ስዋኪንን ካልእ ከባቢታት እቲ ዞባን ዝርከብ ኣገልግሎታት ወደብ መጻረይ ነዳዲን ካብ 19 መስከረም ኣትሒዙ ተዓጽዩ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ምንቅስቓስ፣ ንዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ዘራኽብ ኣውራ መስመራት’ውን ዓጽዩ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርያም ሳድቕ ኣልማህዲ ዝምራሕ ጉጅለ ሚኒስተራት፣ ብ19 መስከረም ብምልኣኽ ምስቶም ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ ወገናት ንምዝርራብ መዲቡ እኳ እንተነበረ፣ እቲ መደብ ብሃንደበት ምስራዙ ተወሳኺ ቁጠዐ ፈጢሩ።

ምስራዝ ርክብ ሚኒስተራት መንግስትን ምንቕስቓስ ህዝቢ ቤጃን ዝተሰረዘሉ ምኽንያት፣ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እንተኾነ መንግስቲ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣካል ቤጃ ዝኾነ ምንቕስቓስ ሃንደንደዋ፣ ዝካየድ ዘሎ ኣድማታት ደው ንምባል ምስ መሰጋግሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ስምምዕ ከምዘካየደ ኣሻርቕ ኣል ኣውሳጥ ሓቢራ።

ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ግና ኣይተነጸረን።

ምብራቕ ሱዳን፣ ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ ቀቢላታት ሃንደንደዋን ቢን ዓሚርን ዝዓብለልዎ ዞባ ኮይኑ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘካይድዎ ሓድሕዳዊ ግጭታት ንቁጠባዊ ንጥፈታት እቲ ዞባ ከሰናኽል ጸኒሑ’ዩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0