“ምስ ኤርትራ ዝግበር ምትሕግጋዝ ኣብ ክልትኣዊ ረብሓ ዝምርኮስ’ዩ፣” ፕረዚደንት በሺር

“ምስ ኤርትራ ዝግበር ምትሕግጋዝ ኣብ ክልትኣዊ ረብሓ ዝምርኮስ’ዩ፣” ፕረዚደንት በሺር

Radio Erena: 30 April 2018

Bashir

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምትሕግጋዝ ቅሩብ ምዃኑ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ገሊጹ።

ሱዳን ትሪቡን ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ኣኼባ ህዝባዊ ጻውዒት ንምዕባለ ምብራቓዊ ሱዳን ብ28 ሚያዝያ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዝነበረ ርክብ፣ ኣብ ክልትኣዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ሕጂ’ውን ምስ ህዝቢ ኤርትራ እትግብሮ ምትሕግጋዝ ክትቕጽሎ ምዃና ኣስሚርሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ግብጺ ብምውጋን ኣንጻር ረብሓታት ሱዳን ይሰርሕ ኣሎ ብዝብል ወቐሳ፣ ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ሰራዊት ብምውፋር ዶባቱ ከምዝዓጸወ ካብ ዝገለጸሉ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ዩ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ምስ ቀጠር ብምሽራሕ፣ ንተቃወምቲ ኤርትራ የዕጥቕ ከምዘሎ ምውቃሱ ይዝከር።

ክልቲኦም መንግስታት ንሓድሕዶም ዘቕረብዎ ወቐሳታት’ዮም ዝነጽጉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባቶም ብዛዕባ ዝዋፈር ሓባራዊ ሰራዊት ዘትዮም።

እቲ ዘተ ዝተኻየደ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ዝምራሕ ርክብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ብዓርቢ 27 ሚያዝያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካይድዎ ርክብ’ዩ።

===================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0