‘ምስ ኤርትራ ዝምድናና ንምምሕያሽ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፡ ውጽኢቱ ከም ዝተጸበናዮ ኣይኮነን።’ ፕረዚደንት ዑመር ገለ

Radio Erena: 27 September 2021

ምስ ኤርትራ ዝምድናና ንምምሕያሽ ዝገበርናዮ ጻዕሪን ዝነበረና ተስፋን፡ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበናዮ ኣይኮነን ክብል ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መበል 76 ስሩዕ ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣብ 13 ሓምለ 2021ናብ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝልኣኽናዮ ደብዳቤ ከምዝሓበርናዮ፣ ምስ ኤርትራ ዘሎና ናይ ዶብ ጉዳይን ሃለዋት ናይቶም ብኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ 13 ምሩዃት ኵናት ጂቡቲን ብዝምልከት ዝተገብረ ጻዕርታት ዝጭበጥ ፍረ ኣይረኸብናሉን ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፣ ኤርትራ፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ብዘተ፣ ሽምግልና ወይ ድማ ኣህጉራዊ ዳንነት ክትፈትሕ ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መወዳእታ፣ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ጂቡቲ ዘዋስና ዶብ ከባቢ ኣንዳሊ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትብትን ብምምሕጻን፣ እዚ ስጉምቲ ምትእምማን ኣብ ምፍጣርን ዝምድና ንምምሕያሽን ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምፍጣርን ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ግንቦት 2008 ዶባት ኵናት ንዘካየዳ ኤርትራን ጂቡቲን፣ ጉዳተን ንምፍታሕ፣ ፈለማ ብመንጎኝነት ቀጠር ድሑሩ ድማ ኣብ 2018 ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተኻየደ ጻዕርታት ኣይተዓወተን።

እቲ ጻዕርታት ዘይተዓወተ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ናይቶም ኣብ ኵናት ዝተማረኹ 13 ወትሃደራት ጂቡቲ ምሕባር ስለዝኣበየ ምዃኑ ብወገን ጂቡቲ ይስማዕ’ዩ።

ጂቡቲ ብወገና ኣብቲ ኵናት ዝማረኸቶም 19 ወትሃደራት ኤርትራ፣ ከም መባድልቲ ሒዛቶም እኳ እንተነበረት፣ ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጻዕርታት ግና ንብምሉኦም ናብ ካናዳ ከምዝጣየሱ ጌራ’ያ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0