ሻምብቆታት ነዳዲ ዓጽዩ ዘሎ ኣድማ ምብራቕ ሱዳን ደው ንምባሉ ዝርርብ ተጀሚሩ

Radio Erena: 28 September 2021

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ደው ንምባሉ መንግስቲ ምስ ቤት ምኽሪ ቤጃ ዝርርብ ከምዝጀመረ ተገሊጹ።

ብኣባል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ሸምሰዲን ካባሺ ዝተመርሐን ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ጸዓትን ነዳዲን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ምስ መራሕቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ዝኾኑ ኣባላት ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ብ26 መስከረም፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ፣ እቲ ኣድማ ገለ ክፋሉ ደው ክብል ተሰማሚዖም።

መራሕቲ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ወይ ናዚሪስ፣ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ዝተጀመረ ዝርርብ እናቐጸለ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክሳብ ዝበጽሑ፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ወደባትን ገማግም ባሕርን ዝርከብ ሻምብቆታት ነዳዲ ንግዜኡ ክኽፈት ክውስኑ እንከለዉ፣ ናብ ወደባት ዘእቱ ኣውራ መንገድታት ግና ተዓጽዩ ክጸንሕ ምዃኑ’ዮም ገሊጾም።

በዚ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ብዝያዳ ተጸልዩ ዘሎ ከባቢታት፣ ኣብ ምልኣኽን ምእታውን ነዳዲ ዘገልግል ሻምብቆታት ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን’ያ።

ብሰንኪ እዚ ኣድማ፣ እቲ ኣቐዲሙ’ውን ብናህሪ መሰረታዊ ዋጋታት ተቓውሞታት ከካይድ ዝሓገየ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን፣ መነባብርኡ ብዝበኣሰ ተጸልዩ ይርከብ።

ነዚ ብምንቅስቓስ ቤት ምኽሪ ቤጃ ዝተኻየደ ኣድማ ንምቅዋም፣ ኣብ ከሰላ፣ ሻምቡብ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ’ውን ተሓቢሩ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ነቲ ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ደንግዩ ብዝብል፣ ብምንቅስቓስ ህዝቢ ቤጃ ዝተጸውዐ ኣድማ ካልኣይ ሰሙኒ ሒዙ ኣሎ።

እቲ ብባሕርን ምድርን ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ሰፊሕ ዞባ ሱዳን፣ ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ ቀቢላታት ሃደንደዋን ቢን ዓሚርን ከምኡ ድማ ራሻይዳ ይነብርዎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0