ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓጹ’ያ

Radio Erena: 27 September 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲኡ ክዓጽዎ ምዃኑ ተሓቢሩ።

መርበባት ሓበሬታ ግብጺ፣ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ፣ ማርቆስ ተከለ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ዜና፣ እቲ ኤምባሲ ሰለስተ ወርሒ ከምዝዕጾ ብምጥቃስ፣ ጠንቑ ድማ ኢትዮጵያ ገጢሙዋ ብዘሎ ቁጠባዊ ማሕንቖታት ደኣ’ምበር ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ምስ ግብጺ ዘለዋ ምስሕሓብ ከምዘይኮነ ኣስሚረናሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ መጋቢት 2020’ውን ኣብ ሱዳንን ግብጽን ዝርከቡ ኣምባሳደራታ ንግዜኡ ስሒባ ምንባራ ዘመልከታ ማዕከናት ዜና ግብጺ፣ እቲ ጠንቒ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ንዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ምዃኑ’የን ኣረዲኤን።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ብድሆታት፣ ኣብ ኣስታት 40 ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ክስሓቡ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወግዒ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ካብ ኣመሪካ፣ ሃገራት ኤውሮጳን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ዝተሳሕቡ 10ታት ዲፕሎማሰኛታት ገሊኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ፣ ዑቕባ ንምሕታት ዝተረፉ ከምዘለዉ’ውን ይፍለጥ።

ኵናት ትግራይ በኸምዚ ዘለዎ መንገዲ እንተቐጺሉ፣ ኢትዮጵያ ንገለ ፕሮጀክታታት ብምውንዛፍ፣ ናብቲ ቀዳምነታት ዘድልዩ ጥራይ ከተተኩር ምዃና፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ወኪልቲ ህዝቢ ብወግዒ ተዘሪብሉ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0