ኣብ የመን፣ ምስፍሕፋሕ ሕማም ሸሮኽ ይብእስ

Radio Erena: 15 November 2016

Yemen Chol

ምስፍሕፋሕ ሕማም ሸሮኽ ኣብ የመን እናበኣሰ ይመጽእ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ 14 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣ 11 ዞባታት የመን፣ ሓደጋ ናይቲ ውጽኣት ብምስዓብ ዘጥቅዕ ሕማም ኣንጸላልዩወን ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነብር ህዝቢ፣ እቲ ልዕሊ 7 ሚልዮን ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ከምዝርከብ ኣተሓሳሲቡ።

“ፍርቂ የመን፣ ኣብ ሓደጋ ሸሮኽ’ያ ዘላ” ዝበለ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ነዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሕማም ዘሰንብድ ህልቂት ከየስዓበ እንከሎ ንምምካቱ ብህጹጽ 22.35 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ የመን፣ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ሕማም ሸሮኽ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ሕማም፣ ኣውራ ኣብቲ ብኵናት ዝተሃስየ ካባቢታትን፣ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኣብ ዝዕቆብሉ መዓስከራትን የስፋሕፍሕ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ሸሮኽ ኣብ የመን ካብ ዝተራእየሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝተጠቕዑ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 15 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፣ ብውሕዱ ን12 ሰባት ናብ ሞት ኣብጺሑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0