ካብ 5 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ብቸክ ዘንቀሳቕሱ ሰባት፣ ኣብ ባንክታት ይከላበቱ

Radio Erena: 15 November 2016

Bank of Eritrea

ካብ 5 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ንዘንቀሳቕሱ ውልቀሰባት ይኹኑ ነጋዶ ብቸክ ክኸውን መንግስቲ ድሕሪ ምግዳዱ፣ ምድንጋርን ስርቂን ይዛይድ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ዝልኣኹልና ሓበሬታ፣ ኣብ ባንክ ቅሙጥ ገንዘብ ዘይብሎም ሰባት፣ ብቸክ እናኸፈሉ ዘደናግሩ እናበዝሑ ይመጹ ከምዘለዉ ጠቒሶም።

ባንክታት ኤርትራ’ውን፣ ናይ ቸክ ክፍሊት ብኣግኡ ከጻርያሉ ዝኽእላ ምዕባለ ይኹን ኣሰራርሓን ዘይብለን ብምዃነን፣ ካብ 5 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ገንዘብ ብቸክ ንዝኸፍሉን ዘሰጋግሩን ሰባት ይከላበቱ ምህላዎም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ባንክታት ኤርትራ እኹል ባጤራ ናቕፋ ከዋህልል ብዘይምኽኣሉ፣ ወሰኽ ደሞዝ ከምዘተግበረ ዝገለጸ መንግስቲ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብፍላይ ደሞዝ ኣባላት ሰራዊት ብኣግኡ ኣብ ምኽፋል ይጽገም ምህላዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ባጤራ ናቕፋ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ድሕሪ ምኻዱ፣ ነቲ ባጤራ ንምእካብ ናይ ገንዘብ ምቕያር እኳ እንተገበረ፣ ኣስታት 40 ሚእታዊት ባጤራ ናቕፋ ናብ ባንክ ከምዘይተመልሰ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየደ ቃለ መጠይቕ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ ንባጤራ ናቕፋ ድሕሪ ምቕያሩ’ውን ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር እቲ ናይ ቀደም ባጤራ ናቕፋ ምስቲ ሓድሽ እናተሓወሰ ናብ ዕዳጋ ይወርድ ከምዘሎ’ዩ ዝዝረበሉ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0