ምስቲ ብሃይማኖት ዝተበገሰ ግጭት ብዝተኣሳሰር፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ 280 ሰባት ኣሲሩ

Radio Erena: 02 May 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ዝተወለዐ ግጭት ብዝተኣሳሰር፤ መንግስቲ’ታ ሃገር 280 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦኦ ሓበሬታ፤ ፈደራላዊ መንግስቲ እቶም ተቐዪዶም ዘለዉ ሰባት ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ተመዊሎም ኣብታ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩ ፈቲኖም ክብል ክሲ ከምዘቕረበሎም ኣቃሊሐን።

ነቲ ፍጻሜ እተጻርይ፤ ብኣባላት ጸጥቃ ዝቖመ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ከምዘዳለወ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ፍሉያት ሰብ ረብሓ ዝበሎም ሓይልታት ነቲ ግጭት ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት የጎሃህሩዎ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

ላዕለዋይ እስላማዊ ቆንስል ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ እቶም መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝበሎም ጉጅለታት፤ ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገለጾም ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ዝተመወሉ ዘይኮኑ፤ ሕሉፍ እምነት ተዋህዶ ዝኽተሉ ኣኽረርቲ እዮም ክብል ከሲሱ።

ኣብቲ ፍጻሜ ብውሑዱ 20 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን እቲ ቆንስል ኣመልኪቱ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኦሞ፤ ኣብ ከተማ ጂንካን ከባቢኣን ብዝተወለዐ ሃይማኖት ዝሰረቱ ግጭት፤ 12 ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም ልዕሊ 900 ሰባት ከምዝተኣስሩ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0