ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉሉ ዝኽእሉ እማመ ይዝትይ

Radio Erena: 01 May 2022

ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉሉ ዝኽእሉ እማመ ይዝትየሉ ከምዘሎ፤ ካብ ብራስለስ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ምስ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ዩክረይን ተተሓሒዙ ዝዝተየሉ ዘሎ እማመ፤ ዜጋታት ኤውሮጳ ዘይኮኑ ወጻእተኛታት ናይ ሓጺርን ነዊሕን መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡዎም ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኮሚሽነር ዘቤታዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ዪቫ ጆሃንሰን ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፤ እቲ እማመ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ኣብ ምጉዳልን ስደተኛታት ብውሑስ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉን ዝሕግዝ እኳ እንተኾነ፤ ብዓቢኡ ግና ኣጋጢሙ ንዘሎ ሕጽረት ዓያዪ ጉልበት ዝምልእ እዩ ኢላ።

ብመሰረት መግለጺ’ታ ኮሚሽነር፤ ሃገራት ኤውሮጳ፤ ኣብ 2030 ዓመተ ምህረት ብውሑዱ ናይ 7 ሚልዮን ዓያዪ ጉልበት ሕጽረት ከጋጥመን እዩ።

እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ብተወሳኺ፤ ፍሉይ ሞያ ወይ ትምህርቲ ሃልዩዎም ኤውሮጳውያን ትካላት ዝጠልቦኦም እንተኾይነን፤ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝህብ፤ ኢ.ዩ. ታለንት ፑል ዝተባህለ ክፍሊ ከምዘጠቓልል ተገሊጹ።

ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ኣፍሪቃን ኤስያን ንዝመጹ ስደተኛታት ክኽልክላ ጸኒሐን፤ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዩክረይናውያን ስደተኛታት ምቕባለን፤ ካብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ግብረሰናይ ነቐፌታ ክቐርበን ጸኒሑ’ዩ።

 

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0