ምስሕሓብ ሱዳንን ግብጺን እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን  ናብ ካይሮ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

ምስሕሓብ ሱዳንን ግብጺን እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ናብ ካይሮ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 04 June 2017

Egy Sudan

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ናብ ካይሮ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ሚኒስተር ናብ ግብጺ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ዝፈጸመ፣ ምስሕሓብ ሱዳንን ግብጺን እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብዓርቢ 2 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ካይሮ ዘርሐ ሚኒስተር ኢብራሂም ጋንዶር፣ ትማሊ ቀዳም ምስ ፕረዚንደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ግብጻዊ መዘንኡ ሳምሕ ሾክሪን ብምርካብ፣ ብዛዕባ’ቲ እናበኣሰ ዝምጽእ ዘሎ ምስሕሓብ ክልትኤን ሃገራት ተዘራሪቡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ኣብ 31 ግንቦት ናብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም መዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ግብጺ ንተቓወምቲ ሱዳን ወትሃደራዊ ደገፍት ትህብ ኣላ ዝብል ሓድሽ ክሲ ብመንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ነቲ ዑደት ከምዝሰረዞ ኣይርሳዕን።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ዝተጎሃሃረ ምስሕሓብ እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሱዳን ካብ ግብጺ እተእትዎ ዝነበረት ፍርያት ሕርሻን ውጽኢቱን ደው ንምብላ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ’ያ።

ምብጻሕ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ናብ ካይሮ፣ ነቲ ምትፍናን ናብ ጥርዚ ከይዓርግ ንምዝሓሉ ሓጋዚ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ዘሰሓሕበን ዘሎ ዶባዊ ጉዳይ ዋንነት ዞባ ሓላውይብን ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ዘለወን ዝተፈላለየ መርገጺታትን ብሓደ ኣፊቱ ክፈትሖ ከምዘይኮነ ተንተንቲ ፖለቲካ ክልትኤን ሃገራት የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0