ሕማም ሸሮኽ ናብ ከተማ ካርቱም ከምዘስፋሕፍሐ ተገሊጹ

ሕማም ሸሮኽ ናብ ከተማ ካርቱም ከምዘስፋሕፍሐ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 June 2017

Sudan Cholera

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ክርአ ዝጸንሐ ሕማም ሸሮኽ፣ ናብ ከተማ ካርቱም’ውን ከምዘስፋሕፍሐ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ካርቱም፣ በቲ ሕማም ኣማኢት ሰባት ተጠቒዖም ከምዘለውን ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ናብ ሱዳን ንምብጻሕ መደብ ዘለዎም ዜጋታቱ ክጥንቀቑ ጸዊዑ።

ሚኒስተር ደ ‘ኤታ ጥዕና ካርቱም ማእሙን ሓሚድ ንማዕከና ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብታ ከተማ 120 ሰባት ውጽኣት ብዘስዕብ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ብምምምልካት፣ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ እቲ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ዘሎ ሕማም፣ ሸሮኽ ወይ ኮለራ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣየነጸረን።

መንግስቲ ሱዳን፣ እቲ ኣቐዲሙ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ከስፋህፍሕ ዝጸንሐ ሕማም፣ ኮሌራ ይኮነን እናበለ’ዩ ክኽሕዶ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ብሰንኪ ምስፍህፋሕ እዚ ሕማም፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ብሕጋዊ መንገዲ ዝካየድ ዝነበረ ምስግጋር ሰብን ኣቑሑን ንዝተወሰነ እዋናት ደው ኢሉ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ ዓመት’ቲ፣ ኣብ መላእ ሱዳን ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ክጥቕዑ እንከለዉ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ከኣ ከዝሞቱ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ የመን ብልዑል ናህሪ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ሸሮኽ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት ልዕሊ 1ኦ ስሕ ሰባት ከምዘጥቕዐ ተሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ጥራት ልዕሊ 500 የመናውያን ብሰንኪ እዚ ሕማም ሞይቶም።

ብሰንኪ ረስሓ ማይ፣ ጽሬቱ ዘይሓለወ ኣከባብን ኣጠቓቕማ ዓይኒ ምድርን ዝስዕብ ሕማም ሸሮኽ፣ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከየስፋሕፍሕ፣ ሃገራት እዚ ዞባ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም እናተረዳድኣ ንምግትኡ ይሰርሓ ከምዘለዋ’ዩ ዝጥቀስ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0