ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያን ካብኣ ወትሃደራዊ ንዋት ንዝሸመተ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን እገዳ ኣጽኒዑ

Radio Erena: 03 April 2017

Radio Opp

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ልዕሊ ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ሶርያን ከምኡ’ውን ካብዘን ሃገራት ወትሃደራዊ ንዋት ንዝሽምታን ዘሰጋግራን ኤርትራ እትርከበን ሃገራትን ናይ ኣጽዋር እገዳ ክጸንዕ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ብ30 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊኣ ዝተንብረ እገዳ ብምጥሓስ ብውሕዱ ክልተ እዋን ኣጽዋር ክትሸይጥ ከምዝሃቀነት ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ትካል፣ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ናብ ኤርትራ ንምሻጥ ኣብ ዝፈተነሉ ከምዝተታሕዘ ኮሚተ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ፣ዚ ምግላጹ ይዝከር።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከኣ፣ ካብ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ንዋት ንዝሸመተ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ኣሃዱታቱን ኣብ መዝገብ እገዳ ኣስፊርዎ ኣሎ።

እቲ ኣመሪካ ኣንቢራቶ ዘላ እገዳ ካብ 21 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ክፍሊ መግለጺ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ የመልክት።

እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሕ እገዳ፣ ትካላት መንግስቲ ኣመሪካ፣ ምስዘን እገዳ ተነቢሩለን ዘሎ ሃገራት ወትሃደራዊ ውዕላት ከይገብራ፣ ወትሃደራዊ ንዋት ከይሸጣን ከየሰጋግራን፣ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ውዕል እንተሎ ክስረዝን ካልእን ዝብል የጠቓልል።

ማሊዥያ፣ ነቲ ናብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ንዋት ከምዝሸጠ ዝተኸሰሰ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስስራ ዘለዎ ትካል ከምዝዓጸወቶን ነቲ ጉዳይ ከኣ ምጽራይ ክትገብረሉ ምዃና ምሕባራን ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0