ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

Radio Erena: 03 April 2017

Albashir Haile

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሰሉስ 4 ሚያዝያ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሕ ዘሎ፣ ኣብ ጸጥታን ዶባን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን፣ ኣብ ውዱእ ስምምዕ ዘይተበጽሐ ኣጠቓቕማ ናይል፣ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ሕእፈሻዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንምዝርራብ ምዃኑ ይግለጽ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ንግዲ፣ መጓዓዝያን ካልእ ቁጠባዊ ርክባትን ንምስፍሑ ብዛዕባ ዝህሉ ተኽእሎ ክዝትዩ’ዮም።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቱ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸብን ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት እ ሃገር ክበጽሕን ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ጸጥታ ዶብን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ደቂሰብን ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ‘ኣልፋሽጋ’ መዕለቢ ከምዘይረኸባሉ’ውን ይፍለጥ።

ዕጡቓት ሚሊሻ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ ከባቢ ኣልፋሽጋ ዝርከቡ ሱዳናውያን ሓረስቶት ካብ መነባብርኦም ብምፍንቓል፣ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ወሪሮም ከምዝሓዝዎ’ያ ሱዳን ብቀሊ ትወቅስ።

በንጻሩ ተወላዶ እቲ ኣብ ዶብ ሱዳን፣ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቲ ዋንነቶም ምዃኑ ዝገለጽዎ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታ፣ ናብ ሱዳን ንምርካቡ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ዝሓለፈ ዓመት ተቓውሞታት ከምዘላዓዓሉ ኣይርሳዕን።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0