ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠና ሂበን

Radio Erena: 04 April 2017

US Ethio

ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዝሃባ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ መጋቢት፣ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ሶማል ሰራዊተን ኣዋፊረን ካብ ዝርከባ ሃገራት፣- ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ሶማልን ካልኦት ሃገራትን ንዝተዋጽኡ ኣባላት ሰራዊት’ዩ ተዋሂቡ።

ዕላማ እቲ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጣና፣ ካብ ኣልሸባብ ንዝመጽእ ዘሎ ቀጻሊ ተጻብኦታት ንምምካት ዘኽእል ምዃኑ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ይገልጹ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠና፣ ንሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብዘይደገፍ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ጸጥታ ሃገሩ ንኸውሕስ ፍናን ዝህብ ምዃኑ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብርጋደር ጀነራል ጆን ጀንሰን ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ስልጠና፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ኔዘርላንድስን’ውን ከምዝተሓባበራ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሓያሎ ዓመታት ሒዝዎ ካብ ዝጸንሐ ከባቢታት ሶማል ምውጻእ ይቕጽሎ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብ ሶማል ገሊጾም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዝሓደጎ ከባቢታት ሶማል፣ ኣልሸባብን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዕጡቓትን ይቆጻጸርዎ ከምዘለዉ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይጠቕሱ።

ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ሶማል ሰራዊት እትስሕበሉ ዘላ ምኽንያት ዛጊት ንጹር ምላሽ ኣይሃበትሉን።

ምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ሶማል፣ ኣልሸባብ ደጊሙ ትንፋስ ንኽዘርእን ናብ ብዙሕ ክፋላት እታ ሃገር ደጊሙ ንኸስፋሕፍሕን ዕድል ሂብዎ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ተንተንቲ እቲ ዞባ የመልክቱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0