‘’ምምላስ ዝምድና ኣመሪካን ሱዳንን፣ ምስ ስልጣን ፕ.ኣልበሽር ኣይተሓሓዝን’ዩ’’ ሚኒስተር ጋንዱር

‘’ምምላስ ዝምድና ኣመሪካን ሱዳንን፣ ምስ ስልጣን ፕ.ኣልበሽር ኣይተሓሓዝን’ዩ’’ ሚኒስተር ጋንዱር

Radio Erena: 17 December 2017

 gandurዝምድና ኣመሪካን ሱዳንን ናብ ንቡር ክምለስ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክእለ ኣለዎ ተባሂሉ ንዝወጸ ሓበሬታ፣ ሓቅነት የብሉን ክብል መንግስቲ ሱዳን ነጺጉዎ።

ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ምምሕዳር ዋሺንግተን ወጺኡ ዝተባህለ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ 2020 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር የብሉን ዝብል ይርከቦ።

እንተኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር ምስ ጋዜጣ ኣልሸርቕ ኣል ኣውሳጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ኣመሪካ ስልጣን ፕረዚደንት ኣልበሽር ምስ ምምላስ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ከምዘይተተሓሕዞ ገሊጹ።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሱዳን ኣብ 2020 እዩ ክካየድ። ብመሰረት ቅዋም’ታ ሃገር ከኣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንሳልሳይ ግዜ ክወዳደር ኣየፍቅደሉን እዩ።

ይኹን እምበር ገለ ኣባላት ሃገራዊ ኮንግረስ ፓርቲ፣ ኣልበሽር ንሳልሳይ እዋን መታን ክምረጽ፣ ቅዋም’ታ ሃገር ክቕየር ኣለዎ ብምባል ድምጽታቶም ከስምዑ ጀሚሮም ከምዘለዉ፣ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ቃለመጠይቑ፣ ኣብ ዘተ ኣመሪካን ሱዳንን፣ ንስልጣን ፕረዚደንት ብዝምልከት ዝኾነ ዛዕባ ከምዘየለ፣ ድምጺ ህዝቢ ግና፣ ሕጂ’ውን ኣልበሽር ክምረጽ ዝብል ዝዓብለለ እዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ 2012 ከምኡ’ውን 2015 እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ እንተዘየገዲዱዎ፣ ንሱ ብውልቁ ክወዳደር ከምዘይደሊ እዩ ገሊጹ። ኣብ 2016 እውን ‘ኣነ ውልቀመላኺ ኣይኮንኩን፣ ስልጣነይ ኣብ 2020 ከብቅዕ’ዩ’ ከምዝበለ ኣይርሳዕን።

============================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0