ምልዕዓል ህዝቢ ሱዳን ዝመርሑ ማሕበራት ወከልቶም መሪጾም

Radio Erena: 28 April 2019

ኣብ ምልዕዓል ህዝቢ ሱዳን ብመሪሕነት ዝዋሳእ ዘሎ ሓይሊ ናጽነትን ለውጥን፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ዝሳተፉ ወከልቱ መሪጹ።

እቶም ዝተመርጹ ወከልቲ፣ ምስቲ ግዚያዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ቆንስል ብሓባር ንሱዳን ወኪሎም ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ምዃኖም ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመኪቱ።

ባይቶ ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ ንወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግሮ ናይ 15 መዓልታት ግዜ ከምዝሃቦ ዝፍለጥ’ዩ።
ወከልቲ ሓይሊ ናጽነትን ለውጥን ብዓርቢ 26 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፣ ምስ ወተሃደራዊ ቆንስል ብምትሕብባር፣ ግዚያዊ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምትካል ስርሖም ብቕጽበት ክጅምሩ ምዃኖም ገሊጾም።

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ኣብቲ ዝምስረት ሓድሽ መንግስቲ ቦታ ክህልዎም ክጠልቡ እንከለዉ፣ ንህዝባዊ ምልዕዓል ህዝቢ ሱዳን ዝመርሑ ዘለዉ ማሕበራት ከኣ፣ ስልጣን ካብ ኢድ ወተሃደር ወጺኡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክኣቱ’ዮም ክጠልቡ ጸኒሖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0