ሜታሎር ዝተባህለ ኩባንያ ስዊዘርላንድ፣ ካብ ኤርትራ ዝተላእከሉ፣ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ፣ 22 ቶን ወርቂ ከምዘጻረየ ተቓሊዑ

ሜታሎር ዝተባህለ ኩባንያ ስዊዘርላንድ፣ ካብ ኤርትራ ዝተላእከሉ፣ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ፣ 22 ቶን ወርቂ ከምዘጻረየ ተቓሊዑ

Radio Erena: 31 August 2017

Metalor

ሜታሎር ዝተባህለ ኩባንያ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ምጽራይ ናይቲ ኣብ ቢሻ ዝዕደን ወርቂ ክነጥፍ ምጽንሑ ተቃሊዑ።

SRFዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር፣ ነዚ ኣመልኪቱ ብሮቡዕ 30 ነሓሰ ኣብ ዘቕረቦ መደብ፣ ኩባንያ ሜታሎር፣ ካብ 2011 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ክልተ ዓመታት፣ ካብ ቢሻ ዝተላእከሉ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝግመት 22 ቶን ወርቂ ከምዘጻረየ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት፣ ካብ ቢሻ ዝተዓደነ ወርቂ፣ ብንኣሽቶ ነፈርቲ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምብጻሑ፣ ብመንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ናይ ጀርመን ናብ ፍራንክፈርት ይፋኖ ምንባሩ ኣብቲ እዋን’ቲ ብሬድዮ ኤረና ምቅልኢ ኣይርሳዕን።

እቲ ብናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን ዝተዓደነ ወርቂ፣ ካብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ናብ ስዊዘርላንድ ድሕሪ ምግዓዙ፣ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተጻርዩ ቅድሚ ናብ ዕዳጋ ምቕራቡ በዚ ሜታሎር ዝተባህለ ናይ ስዊዘርላንድ ኩባንያ ምጽራይ ክግበረሉ ምጽንሑ’ዪ እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተፈነወ መደብ ዘቃልዕ።

ሃገራዊ ባንክ ስዊዘርላንድን ባንክ ዙሪክን ዝተባህለ ክልተ ባንክታት እታ ሃገር’ውን ኣብዚ ኣብ ኤርትራ፣ ቢሻን ከባቢኡን ዕደና ዘካየድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ናይ ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር ብርኪ ወኒነን ከምዘለዋ ኣቐዲሙ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

ኩባንያታት ስዊዘርላንድ፣ ምስቲ ብሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ካብ ኩባንያታት ህንጻ ህግደፍ ተመዲቦም ንዝመጽዎ መንእሰያት ኣብ ግዱድ ስራሕን ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ኣዋፊሮም ተባሂሉ ብ ካናዳ ተኸሲሱ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ብሽርክነት ይሰርሓ ምህላወን ድሕሪ ምቅልዑ፣ ብትሪ ይንቀፋ ኣለዋ።

ህግደፍ፣ ብስም ዝተፈላለዩ ሰባት፣ ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር ኣብ ባንክታት ስዊዘርላንድ ብምስጢር ኣቐሚጡ ከምዘሎ ኣብ 2015 ምቅልዑ ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0